ስራሕ ምስ ስደተኛታት

እንተደኣ ምስ ​ስደተኛታት​ ወይ ውን ምስ ንማህሰይቲ (ዘጓነፎም) ዝወረዶም ሰባት ትሰርሑ ኣለኹም ኣብቲ ንዖዖም ዘጋጠሞም ጸገማትን ንስኹም ውን ተኻፈልቲ ሽግሮም ኮይንኩም ካብቲ (ሽግሮምን) ስቓዮምን ንኽሕሾም ክትሕግዙ ትፍትኑ እዚ ኣገዳሲ ዕማም እዚ ብርቱዕ ኣድካሚ እንከሎ ግና ኸ እቲ እትገብርዎ (እተበርክትዎ) ሓገዝ ድማ ኣዕጋቢ ክኸውን ይኽእል (ሕልናዊ ዕግበት) ምናልባሽ ሓደ ሓደ ጊዜ ክልቲኡ ክኸውን ይኽእል

ሓገዝቲ ኣብዚ መርበብ ሓበሬታ ብዛዕባ ማህሰይትን ምልክታቱን ክትረኽቡ ትኽእሉ ​ብተወሳኺንካብ ዓቕምኹም ንላዕሊ ንዝዀኑ ኣጋጣሚታት ብኸመይ ኣገባብ  ከም ትፈትሕዎም (ክትፈትሕዎም ከም ዘለኩምን!) ንነዊሕ እዋን ዘተኮረ ነዚ ኣገዳሲ ስራሕ ብዘይ ጸገም (ውጥረት)  ምእንቲ ክትሳተፉ ዝተወሃቡ ምኽሪታት እዮም

ከምኡ ውን ብኸመይ መንገዲ ምስ ንማህሰይቲ ዘጓነፎም ሰባት ትኣልይዎምን ጸገማቶም ኣቃሊልኩም ቁሩብ ከምዝሕሾምን ኣብ ርእሲኡ ድማ (ኣብኡ እንከለኹም) ንገዛእ ርእስኹምውን ብኸመይ ትሕገዙ ዝሕብሩ ምኽርታት ትረኽቡ