ናይ ገዛእ ርእስኻ ንምሕጋዝ ዝግበሩ ልምምዳት

እንተድኣ እዚ መርበብ ሓበሬታ ኣገዲሱኩም ምናልባሽ ኣብ ቀረባ ዝሓለፉ እዋናት ከቢድ ሽግር ኣሕሊፍኩም ትኾኑ ምናልባሽ ንባዕልኹም ብክርድኣኩም ዘይክእል ምኽንያት ተቐዪርኩም  ክትኮኑ ትኽእሉ (ሓድሽ ጠባይ) ምናልባሽ ውን ውሽጣዊ ጓሂ ጭንቀትን ሓዘንን ይህልወኩም ይኸውን ሱቕ ኢልኩም ትፈዙ ብዘይ ምኽንያት ሕርቕ ሕርቕ  ቀጨውጨው ወይ ውን ክትተሃራረሙ ትደልዩ ወይ ውን ሕልናኹም ይርብሸኩም ፍርሓት ይሕዘኩም ወይ ውን ዋላ ሓንቲ ነገር ኣይስመዓኩምን ምናልባሽ ጽቡቕ ኣይትድቅሱን ምስ ደቀስኩም ትብህርሩ ትኾኑ ኣብ ሕልምኹም ድማ እቲ ዘሕለፍኩሞ ስቓያት ከም ስእሊታት ብተደጋጋሚ ኣብ ቅድሜኹም ትርእይዎ ትኾኑ 

እዞም ዝስዕቡ መምርሒታት (ልምምዳት) ንብዙሓት ሰባት ኣብዚ ንስኹም ዘለኹሞ ኩነታት ንዝነበሩ ሰባት እዩ ነዓኹም ድማ እንተወሓደ ቁሩብ ክሕሸኩምን ንነገራት ብኽእለት ክትፈትሕዎም ከም ትኽእሉ ንኽስምዓኩም ይሕግዝኹም

እንተድኣ ተኻኢሉ ነዞም መምርሒታት(ልምምዳት) ኣቐዲምኩም ተንብብዎም እሞ ነዓኹም ዝሕግዙኹም ብቐጻሊ ትለማመዱሎም ካብዚኣቶም ሓደ ወይ ክልተ ዝኾኑ መምርሒታት ትመርጹ ገለ ሰባት ብዝቐልጠፈ እዋን ናይ ምምሕያሽ ለውጢ  ከርእዩ እንከለው ገለ ሰባት ድማ ንንውሕ ዝበሉ እዋናት ብቐጻሊ ነዚ ልምምድ ንኽገብሩ ይግደዱ።