ሓበሬታ ብዛዕባ ፕሮጀክት (ውጥን)

ንስነ ኣእምሮኣዊ ማህሰይቲ ዘጓነፎም ስደተኛታ

ብዙሓት ስደተኛታት ካብ ውግእ ዞን ቕጽበታዊ ወይ ውን ንነዊሕ እዋን ዝጸንሐ ብርቱዕ ዘሰንብድ ረብሻ (ናዕዋ) ዘኸተሎ ስቕያት ዘጋጠሞም እዮም ካብቲ ዘሕዝን ድማ ቕጽበታዊ ይኹን ንነዊሕ እዋን ዝጸንሐ እኹል ናይ ሳይክያትራዊ ሕክምና ቦታ ነዞም እዚ ዝምልከቶም ሰባት ክቕረበሎም ብዘይ ምኽኣሉ እዩ 

ንቕጽበታዊ ምልክት ሕማም ንምጉዳል ንኣብነት ከም ድቃስ ኣልቦነት ምስ ምብህራር ፍርሒ ዉጥረት ጎነጽ ዘስዓቦ ቀጻሊ ተደጋጋሚ ውሽጣዊ ስንባ ጉድኣት ተመላሲ በግታ (flashbacks) ወይ ዉን ሕዱር ሕማም ዘስዓቦም ሽግራት ንምንካይ ናይ ነዊሕ እዋን መጽናዕቲ ተኻይዱ ብግብሪ ተመስከረሎም መምርሒታት ንገዛእ ርእሲ ሓገዝ ክንጥቀመሎም ንኽእል ፍልጠታዊ ጭብጢታት ዘለዎም መምርሒታት (Materials) ብዛዕባ ስነ ኣእምሮኣዊ ማህሰይቲ ሳዕቤናቱን ምልክታቱን ኣተሓሕዝኡን ኣገላልጽኡን ብኸመይ ትገትኦን ብግቡእ ናብ ሰባት ከመይ ጌርካ መልእኽትኻ ተሕልፍ ዘረድእ ሓበሬታ ዘጠቓለለ እዩ ጠቐምቲ (ግብራዊ) Material ኣስተምህሮ ዝህቡ ንኣብነት ልምምዳት (exercises) ብኸመይ ኣገባብ ንምልክት ሕማም (symptoms) ነቃልሎምን ንገትኦምን ዘረድኡና ከም መምርሒታት እንጥቀመሎም ኣለው ምኽንያቱ ስነ ኣእምሮኣዊ ማህሰይቲ ዘጋጠሞም ቆልዑትን ልዕሊ ዕድሜን ዝተፈላለየ ምልክት ሕማም እዮም ዘርእዩ በዚ መሰረት እዚ ዝተፈለየ ሜላ (ኣገባብ) ነዚ ዓይነት ምልክት ሕማም ብኸመይ ትገጥሞን (ትገትኦን) ይሓትት ነዚ ምኽንያት ብምግባር ፍሉይ ሓበሬታ (special Materials)  ንስነ ኣእምሮኣዊ ማህሰይቲ ዘጋጠሞም ስድራቤትን ቆልዑትን ኣሎና እዞም Materials ኣብ ዝዀነ እዋን ኣብ ዝዀነ ቦታ ንስደተኛታት ምእንቲ ክጥቀሙሎም ተባሂሎም ኣብ ኢንተር ኔት ዝተዘጋጀው እዮም እዞም (Materials) እዚኦም ንገዛእ ርእሲ ኣስተምህሮ ዝህቡ እምበር መተካእታ ናይ ቀንዲ ንስነ ኣእምሮኣዊ ሕማም ፍዋሴ ኣይኰኑን ነገር ግን ቀዳማይ ሓገዝ ነቲ ንስነ ኣእምሮኣዊ ዉጥረት ዘጋጠሞ ሰብ ምናልባት ቅልጡፍ ሳይክያትራዊ ሕክምና (ክንክን) እንተዘይ ረኸበ ዝሕግዝ እዩ

ጭብጢታት ዘለዎም ክሳብ ሕጂ ኣብ መጽሓፍቲ ዝርከቡ ዘዕግቡ መረድኢታት ብ (CD) ብድምጺን ብጽሑፍን እንዳተተርጎሙ እዮም ብተወሳኺ ብድምጺ (Audio-data) ከምኡ ዉን ብጽሑፍ ብመርበብ ሓበሬታ ንስነ ኣእምሮኣዊ ማህሰይቲ ዘጋጠሞም ሰባት ንኽጥቀሙልም ምእንቲ እንዳተዳለዉ እዮም ነቶም ካብ ዝተፈላለዩ ባህሊታት (Cultures) ዝመጹ ምእንቲ ክጥቀሙ ሕሉፍ ታሪኽ እቶም ሰባት ኣብ ግምት ክኣቱ ናይ ግድን እዩ ክሳብ ሕጂ ብዓረብኛን እንግሊዝኛን ፋርሲኛን ተሓቲሙ ኣሎ ቍጽሪ እዞም ቋንቋታት ድማ ቀጻሊ እንዳወሰኸ ክኸይድ እዩ

ንሓገዝቲ

ሓገዝቲ ዝተመሃሩን ኣዝዩ ብዙሕ ሓጋዚ ዝዀነ ሓበሬታ (መረድኢታት) Material ክህልዎም ካብኦም ይጥለብ ሓገዝቲ ቤሰንኪ እቶም ስደተኛታት ዝነገርም ዘሰንብድ ኩነታት (ተዘክሮታት) ዝሰምዕዎ ንባዕሎም  ምልክት ሕማም (symptoms) ስነ ኣእምሮኣዊ ማህሰይቲ ከርእዩ ስለዝኽእሉ ንዖዖም ውን ህጹጽ ሓገዝ የድልዮም ከምኡ ውን ካብ (Burn out) መከላኸሊ ዝኸዉን መሳርሒ (Tools) ቕድሚ ኩነት ብኸመይ ኣገባብ ንነብሶም ዝኣልዩሉን ንምልክት ሕማም ብእዋኑ ኣለልዮም ብልክዕ ክሕሾምን ክሓዉዩሉን ጽቡቕ ክስምዖምን ዝገብሩሉ መንገዲ ኣብ መርበብ ሓበሬታ መረድኢታት ተዳልዩ ይርከብ

ንፕሮጀክት ኣብ ግብሪ ምዉዓል

እዚ መርበብ ሓበሬታ ሓደ ፍሉይ ዕማሙ ብቐሊሉ ክናዋሕ ዝኽእል ኣገባብ ተወሳኺ ጽሑፋት (Info material) ናብ ዝተፈላለዩ ቋንቋታት እንዳተተርጎሙ ዝመጹ ስለ ዘለዉ እዩ ገለ ካብቶም ሕጂ እንጥቀመሎም ዘለና ዘለዉ ጽሑፋት ብደረስትን ሓተምትን ዝተቐረቡ እዮም ከምኡ ዉን ሓደሽቲ ጽሑፋት ዉን ኣለዉ (Info Material)ካብ (Psyochsocial centers) መርበብ ሓበሬታ መረድኢታት ዝተወሰዱ እዮም ሕጂ ዉን ናብ ዝተፈላለዩ ቋንቋታት እንዳተተርጎሙ እዮም ብድምጺ ብዝበለጸ ጽፉፍ ኣቀዳድሓ (Audio-data) ከምኡ ዉን ብጽሑፍ ዛጊት ብዝተፈላለዩ ቋንቋታት ቅሩብ ኣሎ ነዚ ድማ ኣገዳሲ ኣዉንታዊ ግብረ መልሲ ዉን ተራእዩሉ እዩ ንስነ ኣእምሮኣዊ ማህሰይቲ ዘጋጠሞም ሰባትን ሓገዝቶምን ህጹጽ ቀዳማይ ሓገዝ የድልዮም ብሰንኪ እቶተ ቃል ወለንታዊ ሓገዝቲ ናብ መርበብ ሓበሬታ ቀዳማይ ትርጓም (First version) ሒዝና ክንቀርብ ሓጊዙና

እዚ መርበብ ሓበሬታ ክመሃዝ (create) ክግበር  ክዝርጋሕ እንከሎ ብጽሑፋትን ልምምዳትን (Exercises) እዞም ጽሑፋትን ልምምዳትን ንገዛእ ርእሲ ሓገዝ ተባሂሎም ተቐረቡ (ተፈነዉ) ካብቲ ልሙድ ኣገባብ ኣሰራርሓ ወጻኢ ከም ዝኾኑ እቶም ደረስቲ ዉን ኣዝዮምይፈልጡ እዮም  ክሳብ ሕጂ እዞም ከምዚ ዘኣመሰሉ ልምምዳት ንዝሞልከቶም ኣካላት ብዓብላሊ በቲ ​ልሙድ ስርዓተ ስነ ኣእምሮኣዊ ሕክምናዊ ሓገዝ (ፍዋሴ) ዘተሰነየ ንኣሉታዊ ጽልዋ ወይ ዉን ግጉይ ዉጽኢት(ሳዕቤን) ምእንቲ ክገትእ ተቐሪቡሎም ኣሎ  ብዙሓት ስደተኛታት ምናልባሽ ንነዊሕ እዋን ዝጸንሕ ስነ ኣእምሮኣዊ ሕክምናዊ ሓገዝ (ፍዋሴ) ከምኡ ዉን ብተወሳኺ ዝዕቆቡሉን ንገዛእ ርእሶም ዝሕገዙሉ መንገዲ ክረኽቡ ኣይኽእሉን በዚ መሰረት እዚ ደረስቲ ምእንቲ እቶም ዝሞልከቶም ኣካላት ክጥቀሙ ብመርበብ ሓበሬታ ክዝርጋሕ ወሲኖም