እዚ መርበብ እዚ ንኣብነት ማህሰይቲ እንታይ ምዃኑ  ጠንቅታቱን እንታይ ዓይነት  ምልክት ከጋጥም ከም ዝኽእልን ብትኽክል ዘርኢን ብኸመይ ኣገባብ ክፍወስ ከም ዘለዎን እዚ ሓበሬታ እዚ ብዝቐለለ ኣገባብ ን ኮርሳዊ ትምህርቲ  ዘይወሰዱ ተራ ሰባት ተባሂሉ ብፍልጠት ዝተዳለወ እዩ ብተወሳኺ ኣብ መሃርቲ ዝዀኑ መጸሓፍቲ ውን ክትረኽብዎ ትኽእሉ ኢኹም

ማህሰይቲ (መጉዳእቲ) እንታይ ማለት እዩ?

ንሕና ብኽንርድኦ ዘይንኽእለሉ መልክዕ ሂወትና ክነጥፍእ ክሳብ ንሂወትና ኣብ ሓደጋ እነሳጥሓሉ ደረጃ  ናይ ገዛእ ርእስና ቁጽጽር እነጥፍኣሉ ኩነት ምስ እንበጽሕ ነዚ ሃለዋት እዚ (Trauma)  ማህሰይቲ (መጉዳእቲ) ኢልና ንጽውዖ ባህርያዊ ድንገት ከበድቲ ዕድሎት (ጽሕፍቶ)  ንውግእ ምስጣሕ ኣካላዊ ዓመጽ (ጎነጽ) ወይ ውን ጾታዊ ዓመጽ (ጎነጽ) እንተደኣ እዚ ማህሰይቲ (መጉዳእቲ) ብፍልጠት ካብ ሰባት ኣብ ልዕሊኦም ተፈጺሙ ብጣዕሚ ከበድትን ብቐሊሉ ክፍወሱን ኣብቲ ልሙድ ገዛእ ርእሶም ክምለሱን ነቶም ግዳያት ይኸብዶም እዩ

ንዝበዝሑ ሰባት እቲ ዘጋጠሞም ማህሰይቲ (መጉዳእቲ)  ከም ስነ ውሽጣዊ ዕንወት ዝኣመሰሉ ጸገማት ይፈጥሩሎም ሳዕቤኑ ድማ ግዳይ ሕሉ’ፍ ሃለዋት ስነ ኣእምሮኣዊን  ኣካላዊን ሕማም ይዀኑ እዚ ጸገም እዚ ድማ ንቡር መልሰ-ግብሪ ሳዕቤን ናይ ስነ ኣእምሮኣዊን  ኣካላዊን ማህሰይቲ ካብቲ ምዝቡል ኣጋጣሚታት ዝነቐለ እዩ

ሳዕቤናት ማህሰይቲ (መጉዳእቲ) ንነብስ ወከፍ ሰባት ብዝተፈላለየ ኣገባብ ምልክታት ይህቡ ኩሉ ሰብ ድማ ኣይኰነን ዝሓምም ሓደ ማህሰይቲ ዝወረዶ ሰብ ብኸመይ  ኣገባብ ካብቲ ዘጓነፎ ጸገማት ይሓዊ ኣብ ሕብረተሰብኣዊ ከባቢኡ (ሃዋህው) ንኣብነት ስድራ ቤቱ ኣዕሩኽቱ ብተወሳኺ ኩነታት ሂወቱ ኮታ ሓፈሻዊ መነባብርኡ ዝተመርኮሰ እዩ ኣብ መወዳእትኡ ባዕሉ ብዘይ ገለ ወሰኽ (ብባህርይኡ) ብድሕሪ እቲ ዘጋጠሞ ማህሰይቲ ኣብ ውሑስ ሃዋህው ምስ ዝርከብ ብርግጽ  ክሳብ ንጸገማቱ ዘሰላስልን ብግቡእ ዝሓውን ግዜ ክወስደሉ እዩ

ኣካላትና ኣብ ማህሰይቲ ዘጋጠመና እዋን እንታይ ዓይነትመልሰ-ግብሪ ይህበና

ማህሰይቲ (መጉዳእቲ) ኣብ ልዕሊ ደቂ ሰባት ብርቱዕ (ኣእምሮኣዊ ውጥረት) የስዕብ  ኣብ ዝሓለፉ እዋናት ኣሰራርሓ ሰብኣዊ ምዕብልና ሕሉፍ ውጥረት ኣብ ዘጋጥመና እዋን ብኸመይ ንኽንጥቀመሎም ዝተዳለዉ መጽናዕቲ እዮም ናይ (ኣእምሮኣዊ ውጥረት) ይበሃሉ እንተድኣ ሓደ ጊዜ ጀሚሩ ብኡ ንብኡ ድማ ይቕጽል ንኣብነት ሓንጎልና ከም ኣድሬናሊን ዝኣመሰሉ ሆርሞንስ ይብትኑ እሞ ንስነ ኣእምሮናን ኣካልናን ኣብ ናይ ተጠንቀቕ ኩነት የእትውዎ ደቂ ሰባት ካብ ዘጋጥሙና ወጥሪ ክንወጽእ ይሕልዉናን ይዕቅቡናን

ባህርያዊ ድፍኢት ዓንዲ ኣካል ልቢ ብቑልጡፍ ክትወቅዕ ጸቕጢ ደም ክውስኽ ጭዋዳታት ክውጠሩ መርዓት ዓይኒ ክጸብብ ነፍሲ ክትበራበር ይገብር  ወዲ ሰብ ብዝከኣል ን 3መልሰ-ግብሪ ቅሩብ እዩ

  1. ንኽበኣስ (ክቃለስ) ብዝከኣል ድማ ነቲ ኣንጻር ምሕማቕ
  2. ምህዳምን ብዝክኣል ካብቲ ቦታ ሓደጋ ምምላጥ
  3. እንተ ድኣ  ምህዳም ወይ (ምቅላስ) ዘይከኣል ኮይኑ  (ምፍዛዝ) ምድንዛዝ)

እንተ ድኣ እቲ ግዳማዊ ኩነት ነቲ  ውጥረት ዘለዓዓሎ ቀጺሉ እቲ መልሰ-ግብሪ ናይ ስርዓተ ውጥረት (  Stresssysteme) ዝተቐየረ ይኸውን እሞ ናይ ገዛእ ኣካላዊ ፈውሲ ቃንዛ ይብትን በዚ መሰረት እዚ እቲ ቃንዛ ይዕገት መጠን ጸቕጢ ደም የንቆልቁል ጭዋዳታት ድማ ለግላግ ይዀኑ ብሓፈሽኡ ከም መደንዘዚ ይሰርሕ በዚ ምኽንያት እዚ ድማ ምሉእ ብምሉእ ብምስትውዓል (ነቒሕካ) ኣብቲ ሁሞት እቲ ኣብ ነብስኻን ከባቢኻን ንዘጋጥሙ ኩነታት ክትግንዘቦም ኣይትኽእልን ኢኻ ይኹን እምበር ኣብቲ እዋን እቲ ኣብ ምሉእ ኣካላትካ ዝስመዓካን ን ‘እትወስዶ ስጉምቲታትን ውሽጣዊ ስምዒትካን ምስ’ቲ ዘጋጠመ ክውንነት (ተመክሮ) ኣዛሚድካ ብርግጽ ክትዝክሮ  ኣይትኽእልን ኢኻ

እዞም ኣብ ላዕሊ ዝተጠቐሱ ኣዝዮም ሓያላት ዝኾኑ ንነዊሕ እዋን ዝጸንሑ ስምብራት
 ​ዝገደፉ ውጽኢት ስርዓተ ውጥረት ካብቲ ልሙድ ምሳና ዝተፈጠረ ባህርያዊ  ኣገባብ ዘፍቅዶ ንላዕሊ ኮይኖም ንረኽቦም ከም ልሙድ ስነ ኣእምሮኣዊን ስምዒታዊን ኣካላዊን ተግባራዊን ብምትሕብባር  ስጉምቲ ይወስዱን ይዕቅቡን (ይኽዝኑን) ብኣንጻሩ ስርዓተ ውጥረት  ዘጓነፎም ሰባት እቶም ናይ  (Stresshormone) ንቐጻሊ ዝያዳ  እንዳወሰኸ ይኸይድ እሞ በዚ መሰረት እዚ እቶም ዝተፈላለዩ ክፋላት ኣካላት ሓንጎልና ብግቡእ ብሓባር ክሰርሑ ኣይክእሉን ኣብ መንጎ ማህሰይታዊ ተመክሮን ህልው ስምዒታትን ብዘይ’ዚ መራኸቢ’ዚ ሓንጎልና ነዞም ክልተ ነገራት ከተሓሕዞም ኣይኽእልን በዚ ምኽንያት’ዚ እቲ ዝምልከቶ ኣካል (ሰብ) ኣብ መደምደምታ “ተወዲኡ ሓሊፉ (መኪተዮ) ይብል ግን እቲ ጸገማት ሓሊፎሞ ክም ዝተዓወቱ ይፍለጡ ድኣ እምበር ውሽጣዊ ስምዒቶም ግን ገና ኣብ ጸገም ከም ዘለው እዩ ዝስምዖም

ስነ ኣእምሮኣዊ ማህሰይቲ እንታይ ዓይነት ምልክት ሕማም የርኢ?

እንተድኣ (ክሳብ) ሓንጎልና ነቲ ስነ ኣእምሮኣዊ ማህሰይቲ ብግቡእ ክዕወተሉ ዘይከኣለ እቲ ምልክት ሕማም በተደጋጋሚ ክቀላቐል ይርኤ

  1. ብዝሒ ምቅስቃስ ምልክት ሕማም: እዞም ዝስዕቡ ከም ረበሻ ስእነት ድቃስ ሃተፍተፍ (ምብህራር) ቅልጡፍ ህርመት ልቢ ዝኣመሰሉ (ተራኸቡን) ተዛመዱን እዮም እዞም’ዚ ዘጓነፎም ዝምልከቶም ሰባት ስንባዴ ውሽጣዊ ርግኣት ምስኣን መብዛሕትኡ ግዜ ተደጋጋሚ ቅልጡፍ ሕርቃን ይርእዩ በዚ መሰረት እዚ (ነብስና) ኣካላትና ብቐጻሊ ኣድሬናሊን ይነዝሕ ጠንቂ ናይ’ዚ ድማ ነቲ ስነ ኣእምሯዊ ማህሰይቲ  ብትኽክል ኣገባብ ክዕወተሉ ስለ ዘይከኣለ እዩ እቲ ባህርያዊ ንኽንነብር ዝሕግዘና (survival system) ንዘጋጥሙና  ክዉነታት ብጌጋ ስለ ዝርድኦ(ብጌጋ ስለ ዝትርጉሞ) ብሰንኪ’ዚ ከም ኣብ ሓደገኛ ሃለዋት ከም ዘሎ ኮይኑ ይርድኦ እቲ ሓቀኛ ክዉነት ግን ንሱ ኣይኮነን ኣካላትና ማለት ንሕና ነቲ ዘጓነፈ (ጸገም) ሓደጋ ከም ዝሓለፈ ጌሩ ይዉሰዶ ድኣ እምበር ዉሽጣዊ ስምዒቱ ግን ገና ሕጂ ዉን ኣብ ሓደጋ ከም ዘሎ ኮይኑ እዩ ዝስምዖ
  2. ምክልኻል ግብረ መልሲ : ስነ ኣእምሮኣዊ ማህሰይቲ ቀጻሊ ብተደጋጋሚ ክተሕልፎን ክትሰቓየሉን ብጣዕሚ ኣሸጋሪን ኣጸጋሚን’ዩ በዚ መሰረት እዚ  እዞም እዚ ጸገም’ዚ ዘጓነፎም ብዙሓት ሰባት ንተዘክሮታቶም ብዝተኸኣለ መጠን ንምግታእን ንኽቆጻጸርዎን ይፍትኑ ምስ ስነ ኣእምሮኣዊ ማህሰይቲ (ዘራኽቡ) ዘዛምዱ ዘበሉ ኩሎም ንኣብነት እኩባት ሰባት ፍሉያት ቦታታት ወይ ዉን ሓሳባት ሽታታት ከምኡ ውን ፍሉያት ክዳዉንቲ ዘኣመሰሉ እዮም
  3. ብዝተደጋገመ ኣገባብ ስቅያታዊ ተዘክሮታት እቲ ዘጓነፈ ስነ ኣእምሮኣዊ ማህሰይቲ ንደቅ ሰባት ከም ፊልም ወይ ውን ካብ ፊልም ቆሪጽካ ዘዉጻእካዮ ክፋል ብተደጋጋሚ ንዝሓለፉ ስቅያታዊ ክዉነታት ቍስሊ ስነ ኣእምሮኣዊ ማህሰይቲ እንደገና ብተደጋጋሚ ከም ብሓድሽ ይረኣዮም እዚ ክዉነት’ዚ ድማ ኣብ ተበራበርናሉ (ንቝሕ) ሁሞት ከምኡ ውን ኣብ ዝደቀስናሉ ሁሞት (ምብህራር) ሃተፍተፍ  የጋጥም ብፍላይ ብቕጅልታ ከምኡ ዉን ሽታታት ድምጺታት ቃንዛን  ኣካላዊ ስሚዒታት ዘኣመሰሉ እዮም ነዚኦም ድማ ተመላሲ በግታ (flash backs) ኢልና ንጽዉዖም መብዛሕትኡግዜ እዞሞ ኣብ ላዕሊ  ዝተጠቐሱ ኣጋጣሚታት ሃንደበታዊን ተደጋጋሚን ንጹር ክዉነት ብሓያል ስሚዒታት ዝተሰነዩ እዮም እዚ ዘሰንብድ ኵነት ብተደጋጋሚ ከም ሕጂ መሊስካ ትደግሞ ዘለኻ ኮይኑ እዩ ዝስምዓካ እዚ ሃለዋት’ዚ ድማ ኣጸጋሚን ዘጨንቕን ጥራይ ዘይኮነስ ዘፍርሕ ውን እዩ

ክብደት ስነ ግብራዊ መልሲ ዉልቀ ሰባት ምስ እቲ ዘጓነፎም ብርቱዕ ስነ ኣእምሮኣዊ ማህሰይቲ ጥራይ ዘይኮነስ እቲ ክብደት (ዑምቀት) ስነ ኣእምሮኣዊ ማህሰይቲ እዩ  ደረጃ (ንዉሓት)ግብረ መልሲ ናይ ስነ ኣእምሮኣዊ ማህሰይቲ ምስ እቲ ዉልቃዊ ልዕሊ ዓቕሙ ዝኾነ ጠንቂ ቍስላዊ ዘሰንብድ ፍጻሜ (ኣጋጣሚ) ዝተሞርከሰ እዩ  ከምኡ ዉን ብዘይተጸበኻዮ ኣገባብ ምስኡ ዝተዛመደ ክዉነት ስእነት ቍጽጽር የጋጥም ከምኡ ዉን ኣገዳሲ ኮይኑ እንረኸቦ (ኣገዳሲ ግደ ዝጻወት) ስነ ኣእምሮኣዊ ማህሰይቲ  ዘጓነፎ  ዉልቀ ሰብ  እንታይ ዓይነት ሓገዝ  ካብ ዉልቀ ሰባት ድሕሪ  እቲ ስነ ኣእምሮኣዊ ማህሰይቱ ዝረኽቦ እዩ ሓደ ሰብ ብኸመይ ኣገባብ ንዘጓነፎ ስነ ኣእምሮኣዊ ማህሰይቲ ንበይኑ ከም ዝገትኦን ዝምክቶን ክነግር (ክትንብይ) ኣይክእልን እዩ

  •  ሓጺር መግለጺ: እንተ ድኣ ክሳብ ሕጂ ድሕሪ 6 ወርሒ ብምልክት እዞም ኣብ ላዕሊ ዝተሰመዩ ገና ብሰንኪ ዘጓነፈኩም ስነ ኣእምሮኣዊ ማህሰይቲ ኣዚኹም ትሳቐዩ ኣለኹም ንስኹም ጌጋ የብልኩምን እቲ ክግበር ዝከኣል ነቲ  ስነ ኣእምሮኣዊ ማህሰይቲ ብኸመይ ኣገባብ ትቃለስዎ እዩ እቲ ክትገብርዎ ዘድልይኩም (ዘለኩም) ካብ ኪኢላ (ምኩር) ሓገዝ ምርካብ እዩ ፍዋሴ ስነ ኣእምሮኣዊ ማህሰይቲ  ምትሕዉዋስ ስነ ኣእምሮኣዊ ፍዋሴን ስነ ኣእምሮኣዊ መድሃኒታትን ንዘኸተሎ ሳዕቤን ብዝተኻእለ መጠን ብቕልጡፍ ጽቡቕ ዕድል ኣብ ዝረኸብኩምሉ ግዜ ምስ ሓኪም ኣእምሮ (ሳይክትረኛ) ኪኢላ ስነ ኣእምሮ ተራኺብኩም ​ሕክምናዊ ሓገዝ ምርካብ እዩ ​(ቆጸራ ዉሰዱ) ኣቐዲምኩም ክትፈልጥዎ ዘለኩም ቆጸራ ብቐሊሉ ክርከብ ስለ ዘይከኣል ነዊሕ ክትጽበዩ ከሞ ዘለኩም እዩ በዚ መሰረት እዚ ንኣካላዊን ስነ ኣእምሯዊ ጥዕና እትረኽቡሉን ንሓገዝ ገዛእ ርእስኹም ተጽንዕዎም ጠቐምቲ (exercises) ኣብዚ ​Homepage ​ተቐሪቡልኩም (ተወፍዩልኩም) ኣሎ

ምኽሪታት ነብስኻ ብነብስኻ ብኸመይ ትሕግዝ

  1. ቀጻሊ ኣካላዊ ምንቅስቓስ እትገብሩሉ ባይታ ምፍጣር ኣካላዊ ምንቅስቓስ  ንተወሳኺ ስትረስ ሆርሞንስ ምኽንያት (ጠንቂ) ኣካላዊ ዉጥረት ንኽብትን ይሕግዝ
  2. እንተ ድኣ ኣብ ሁሞት ፍርሒ (ራዕዲ ስንባዴ) ኣለኹም ኣተኩሮኹም ኣብ ፍሉይ ክፋል ኣካላትኩም ግበሩ ብዘይ ኣገድስ ኣየናይ ክፋል ብኣተኩሮ ተዓዘቡ
  3. ብመጀመርያ ግላዊ ትንታኔ ብጽሑፍ ኣቐምጡ ምኽንያቱ ሰረት ምንጪ ሓይሊ ናይ (ግላዊ) ገዛእ ርእስ ዓቕምኹም (ተዉህብቶኹም) ፍሉያት ትግደሱሎም ነገራት ከም ስድራ ቤት ኣዕሩኽትኹም ኮታ ኩሉ ነዓኹም ጽቡቕ ስምዒት ዝህበኩም ዘበለ ኣብዚ መዝገብ (list) ክምዝገብ ይግባ
  4. እንተ ድኣ ገለ ካብቲ ነዓኹም ዘሰንብደኹም ማለት ክፋል  እቲ ዘሕለፍኩሞ መጕዳእቲ ከም ተመላሲ በግታ (flash back) ተመሊሱ የሳቕየኩም ኣሎ ብኽብረትኩም ነዞም ኣብ ታሕቲ ተዘርዚሮም ዘለው መምርሒ ብምግባር ከምዚ በሉ:
    ኣብዛ ሰዓት እዚኣ ከምዚ ይስምዓኒ ( እዋናዊ ስምዒትኩም ግለጹ ኣብዛ ሰዓት እዚኣ ከምዚ ይስምዓኒ ( እዋናዊ ስምዒትኩም ግለጹ ንኣብነት ራዕዲ ዓቕሊ ጽበት) ኣብ ኣካላተይ ከምዚ ይስምዓኒ ኢልኩም እዋናዊ  ኣካላዊ ስምዒትኩም ግለጹ ብውሑድ 3 ካብቶም ዝስምዑኹም ስምዒታት ግለጹ ንኣብነት ትርግታ ልበይ ብሓይሊ ይወቅዕ ኣሎ  (pulse) ትርግታ በርቲዑ ኣሎ ኣእጋረይ ብሰንኪ ሕሉፍ ስቅያታዊ ተዘክሮታተይ ዝሰነፈን ዝደንዘዘን ይስመዓኒ ( ናይ ግድን ኣይኰነን ኩሉ ብትንትን ክትዝርዝሮ (ንኣብነት እቲ ቦምብ ኣበይ መዓስ ከም ዝወደቐ)
  5. ስእለ ኣእምሮኹም ተጠቐሙ! ደቅ ሰባት ብኽእለት ኣተሓሳስባና ንነገራት ክንስእሎምን ጽቡቕ ንኽስምዓና ክእለት ኣለና ከም መጽናዕቲ ሓንጎል ዘመስከሮ ስእላዊ ኣእምሮ ንሓንጎልና ከም ዝጸልዎን ዝቐርጾን ብግብሪ ዝተራእየ እዩ በዚ መሰረት እዚ ዘሐጉስ ምቹእ ክዉን ስምዒት ናብ ውሽጥና ከም ዝስምዓና ክንገብር ንኽእል ንምእንቲ ሓገዝ ክዀነኩም በዚ ​Homepage እዚ ንሓገዝ ገዛእ ርእሲ ስእላዊ ኣእምሮኣዊ መሃሪ መምርሒ (መላመዲ) ንኽትፍወሱ ይሕግዘኩም
  6. እንተ ድኣ ኣብ ርእስኹም ብሰንኪ’ዚ ዘጓነፈ ሕማቕ ተዘክሮታት የሳቕዩኹም ኣለው ካብ ሓሳብኩም ክተልግስዎ (ጠጠው) ክተብልዎ ዘይከኣልኩም ምናልባት እቲ ክሕግዘኩም ዝኽእል ንሓንጎልኩም ብዛዕባ ካልኦት ነገራት ምስ ተሕስብዎ እዩ (ተስርሕዎ)
    ሓደ ሓደ ግዜ ውን ነቲ ኮፍ ኣበሃህላኹም ወይ ውን በጥ ኣበሃህላኹም እንተ ድኣ ቀያዪርኩሞ ሓጋዚ ኮይኑ ትረኽብዎ ናብ ካልእ ክፍሊ ምኻድ (ንኣካላትኩም ናብ ዝተፈላለዩ ሸነኻት ንኽተንቀሳቕስዎም ሓንጎልኩም ብዙሕ ክሰርሕ ኣለዎ) ወይ ውን ምስ ካልኦት ሰባት ብዛዕባ ካልእ (ዛዕባ) ኣርእስቲ ምስ እትዛረቡ
    ሓደ ሰብ ብዝሓለፈ ጽቡቕ ተዘክሮ ወይ ዉን ገለ ኣብ እቲ ዘጋጥመና ስሩዕ መዓልታዊ ሂወት መዓልታዊ ስራሕ ንኽዝክር ክፍትን ጽቡቕ እዩ ብስእለ ኣእምሮኣዊ ሓሳብ ንሰባት ብልክዕ
    ዝርዝር ኩሉ ነገር ክትንትኑ ትኽእሉ ወይ ዉን ንሓንጎልኩም ከበድቲ ነገራት ንኣብነት ከም ሕሳብ (ፍልጠት ኣሃዛት) accounting tasks  ጸወታ ቸስ ኮምኚዩተር mobile phone ጸወታ ገድሊታት ንምፍታሕ ምፍታን
    ምእንቲ ናብ ህልዉ እዋን ክትምለሱ ንኹሎም ህዋሳትኩም ተጠቐሙ ተመገቡ ስተዩ ኣሽቱ ንኣብነት ዕምባባ ቡን ወይ ዉን ካልኦት ነገራት ግለጽ ኣብ ከባቢኹም ትሰምዕዎም ዘለኹም ድምጺታት ስመዩ መጻሕፍቲ ስእሊታት ዘለዎም ብሕብሪ ዝምልኡ (Mandalas) ሓያል ትዕግስቲን ኣተኩሮን ዝሓትት ንብዙሓት ሰባት ብኣተኩሮ ናብ ክውንነታዊ ሁሞት ክህልዉ ይሕግዝ
  7. ብስእለ ኣእምሮኣዊ ንዘጨንቚ ስቅያታዊ ተዘክሮታት(ተመክሮታት) ብዝርዝር ብልክዕ ክትንትኖምን ክትዛረበሎምን ኩሉ ግዜ ጽቡቕ እዩ ግዚኡ ዝሓለፈ ሓሳባዊ ፍዋሴ ኣብዚ ዝተመርኮሰ እዩ ንሕማቕ ነገራት (ኣጋጣሚታት) ብልክዕ ክንዝርዝሮም ብርቱዕ ውሽጣዊ ሓይሊ የድልየና በዚ መሰረት እዚ ክሳብ እኹል ሓይሊ ዝስመዓኩም ብዛዕብኡ ኣይትዛረቡ ዋላ ሓደ ሰብ ክሓተኩም ኣይትፍቀዱ እንተ ድኣ ዝኾነ ሰብ ሕቶ ኣቕሪቡ ኣይምልስን ክትብል ውን መሰልካ እዩ
  8. ብዙሓት ሰባት ከስተውዑሉሎም ዝግባእ ከምቲ ሕማቕ ኣጋጣሚታት ዘጓንፍ ምስኡ ጎን ንጎኒ ድማ ጽቡቕ ኣጋጣሚታት ዘሐጉሱን ኣብ ሂወቶም ከም ዘለው እዩ በዚ መሰረት እዚ ኩሉ ግዜ ከምዚ ክትሓስቡ ፈትኑ
  9. ገለ ግበሩ ነዓኹም ዘሐጉሱ ነገራት ጥራይ ግበሩ ነዓኹም ደስ ዘብል ዝሕግዝ ዝመስልዎ የለን ሺሕ እኳ ስምዒትኩም ሎሚ ደስ  እንተዘይበሎ ነቶም ቅድሚ  እቲ ማህሰይቲ ትገብርዎም ዝነበርኩም ዘሐጉሱኹም ዝነበሩ ነገራት ግበሩ
  10. ምስ ካልኦት ሰባት ክትራኸቡ ፈትኑ ምስኦም ብዛዕባ መዓልታዊ ሂወቶም ሽግሮምን ተዛረቡ ምስኦም ሰሓቑ  ሓሳባትኩም ውን ተቐያየሩ
  11. ከምዚ በሉ “እወ” ኣብ ሂወትኩም ነቲ ዝዀነ ( ዘጓነፈ) ነገር ማንም ሰብ ከቕይሮ ከም ዘይክእል ነገር ግን ንገዛእ ርእስኹም ብምሕጋዝ እንደገና ኣብ ሂወትኩም ዓቢ ግደ (እጃም) ክተበርክቱ ከም ትኽእሉ