ሓበሬታ ንስደተኛታት

እንተድኣ  በዚ መርበብ ሓበሬታ ተገዲሱኩም (ድሌት) ኣለኩም ኮይኑ ምናልባሽ ኣብ ዝሓለፈ እዋን ዓቢ ስቓይ ኣሕሊፍኩም ተሞኪርኩም ክትዀኑ ትኽእሉ ምናልባሽ ውን ሃገርኩም ክትገድፉ ተገዲድኩም ትዀኑ ገለ ካብ ስድራቤትኩም ውን ኣጥፊእኩም ትዀኑ ወይ ውን  ስነ ኣእምሮኣዊን ኣካላዊ ቃንዛ ኣሕሊፍኩም ትኾኑ ሕጂ ግን ኣብ ውሑስ ቦታ ስለ ዘለኹም ክትቀስኑን ክትረግኡን ትኽእሉ ኢኹም  ምናልባሽ ብውሽጥኹም ነዞም ዝስዕቡ
ሕቶታት ክትሓቱ ትኽእሉ :

  • ምስ እዚ ኹሉ ሕሉፍ ተዘክሮታተይን ሻቕሎተይን ጭንቀተይን ከመይ ኢለ  ክነብር  ይኽእል?
  • ምስ እዚ ካብ ሃገረይ ዝናፈስ ዘሎ ዜና (ወሬ)  እንዳሰማዕኩ ኸ ከመይ ኢለ ክነብር  ይኽእል?
  • ብኸመይ ምስ እቶም ብድሕረይ ገዲፈዮም ዝመጻእኩ ሰባትን ናፍ​ቖ​ት ሃገረይን  እንዳ ዘከርኩ ክነብር  ይኽእል?

እዚ መርበብ ሓበሬታ እዚ (Website) ብኸመይ ንስደተኛታት ክሕግዝ ይኽእል?

እዞም ኣብዚ ተቐሪቦም ዘለው መምርሒታት (ምኽርታት) ክሳብ እቲ ግቡእ ፍወሳ በቲ በዓል ሞያ ዝግበረልኩም ኣብ እዋን ከቢድ ውሽጣዊ ጸቕጢ ሸኸምኩም ጭንቀትኩም ብቅልጡፍ  ከሕግዙኹም ዝኽእሉ ጠቐምቲ መምርሒታት እዮም

ንብፍቶቶም ( ወለንተኛታት) ሓገዝቲ ምትሕብባርን ምትብባዕን

እንተድኣ እዚ መርበብ ሓበሬታ ኣገዲሱኩም ምናልባሽ ውን ገለ ስደተኛታት ማህሰይቲን ጉድኣትን ዝወረዶም  ከጋጥሙኹም ይኽእሉ እሞ ንስኹም ድማ ክትሕግዝዎም ምስ እትደልዩ ዝያዳ ሓበሬታ እነሆ

  • እንተድኣ ምስ ከቢድ ስቓይ ዘሕለፉ ሰባት ተራኺበ (ተላልየ) እንታይ ይጽበየኒ ይኸውን?
  • ብኸመይ ኸ ክሕግዞም ይኽእል?
  • ኣነ ኸ እንታይ ጌጋ ክጋጌ ይኽእል?
  • ኣነ ንባዕለይ ኸ እንታይ ከስተውዕለሎም  ዝግብኣኒ ነገራት ኣለው?